ቤት ትምህርቲ መባእታ

ኣብ ሽወደን ኵላቶም ካብ  ሸውዓተ ክሳዕ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ ግቡእ ትምህርቲ ኣሎዎም። ትምህርቲ ናጻን ግዴታውን’ዩ። ኣብ ሰተር፡ ኵላቶም ደቂ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዑ፡ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኦም  ብቐጥታ ቦታ መዋእለ-ህጻናት ይረኽቡ።ኣብ ሰተር ኮሙን፡ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ ኣለዋ።

እቲ ልሙድ ነገር፡ ቈልዑ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዝኦም ዚርከብ ኮሙናዊ ቤት ትምህርቲ ከም ዚመሃሩ ምግባር’ዩ። ተመሃሮን ወለዶምን ካልእ ኮሙናዊ ቤት ትምህርቲ ኪመርጹውን ይኽእሉ’ዮም፤ ማለት፡ ኣብ ካልእ ኮሙን ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ወይከኣ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ።

ኣብ ሰተር፡ ብሕታውያን ኣብያተ ትምህርቲ የለዋን፤ ኣብ ጥቓና ዚርከባ ኮሙናት ከም ሄደሙራ፡ ቦርሌንገን ፋሉንን ግን ኣለዋ።