ብመቕርብካ ንዓመጽ ተቓሊዕካ/ኪ’ዶ ትፈልጥ/ጢ?

ዓመጽ ኣብ መቕርባት ብዙሕ መልክዕ ኪሕዝ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ መጻምድትኻ ንዓመጽ የቃልዓካ፤ ስሕት ኢሉ ኸኣ ካልኦት ኣዝማድካ (መቕርብካ)። ቈልዑ’ውን ንወለዶም ንዓመጽ ኬቃልዕዎም ይኽእሉ’ዮም። ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ: ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል፤ እቲ ንዓመጽ ዜቃልዓካ ሰብ:-
  • ሕማቕን ሕሱምን ጸርፊ ይጸርፈካ/ኪ፤ ወይ ሕማቕን ኣሸጋሪ/ትን ምዃንካ/ኪ የስምዓካ/ኪ
  • ይደፍኣካ/ኪ: ይወቕዓካ/ኪ: ይቐልዓካ/ኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ይጐድኣካ/ኪ
  • ይቈጻጸረካ/ኪ: ይድርተካ/ኪ፤ ዘይደለኻዮ/ኽዮ ነገር ክትገብር/ሪ ይግድደካ/ኪ
  • ጠባይካ/ኪ ወይ ቅዲ ህይወትካ/ኪ ክትቅይር/ሪ ይግድደካ/ኪ
  • ንርክብ ስጋ ይግድደካ/ኪ
  • ንቝጠባኻ/ኺ ይቈጻጸር

ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣሎካ/ኪ

ዝኾነ ሰብ ብመቕርቡ ዓመጽ ኪወርዶ ይኽእል’ዩ። ንዓመጽ ዝተቓላዕካ/ኪ: ሓበሬታ ክትረክብ/ኽቢ: ዕቝባን ደገፍን ክትረክብ/ኽቢ: ብኣኽብሮትን ብምድንጋጽን ክትተሓዝ ኣለካ። መሰልካ/ኪ እዩ። ደቂ እንተ ኣሎዉኻ/ኺ እውን ደገፍ ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።

እዞም ዚስዕቡ ደገፋት ምርካብ ይከኣል:-

  • ዝርርባዊ ደገፍ
  • ዕቝባን ግዜያዊ ገዛን
  • ቍጠባዊ ሓገዝ
  • ምስ ካልኦት ትካላት መንግስቲ ርክብ ንምግባር (ንኣብነት ምስ ፖሊስ) ደገፍ ምሃብ።

ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕግዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ክትሓብእ/ኢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።

ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።

ዚርከብ ሰብ:

  • ንጥፈት: Socialkontoret
  • ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165