ዓመጽ መቕርባት ኣብ ምርኣይ ተመኵሮ ዘሎዎም ቈልዑ

ተመኵሮ ዓመጽ ማለት:-
  • ንዓመጽ ምቅላዕ (መውቃዕቲ: ምድፋእ: ወሲባዊ ዓመጽ: ምሽጋር ከምኡ’ውን ብስምዒታዊ ንጽገት ምፍርራህ)
  • ዓመጽ ምስማዕ ወይ ምርኣይ
  • ምልክታት ዓመጽ ምርኣይ (ንኣብነት ስምብራት: ዝተቐደደ ክዳን: ዝተሰብረ ነገር: ፍርሃት)
  • ሃዋህው ስድራ ምርዳእ

ዚበዝሑ ቈልዑ: ኣብ ስድራኦም እንታይ ከም ዘጋጥም ይፈልጡ’ዮም፤ ዋላ’ኳ ኣዝማድ እንተ ዘይመሰሎም። ሓደ መቕርቦም ጽቡቕ እንተ ዘየሎ: ቈልዑ ቀልጢፎም ቆብ የብልዎ፤ ኵሉሳዕ ግን ብዛዕባ ስምዒታቶም ኣይዛረቡን’ዮም። ሓደ ቈልዓ ጽቡቕ እንተ ዘየሎ ወይ ሻቕሎት እንተሎዎ: ኪጻወት ከሎ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ኣብ ጠባዩ ይፍለጥ።

ጥርዓን ሻቕሎት ምእታው

ሓደ ቈልዓ ይጕዳእ ኣሎ ኢልካ ትጥርጥር/ሪ’ዶ? ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሻቕሎት ጥርዓን ኣእትው/ዊ። ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ኵነታት የጽንዖ፤ ዝርርባዊ ደገፍ ይህብ፤ ዘድልዩ ስጕምትታት ከኣ ይወስድ።

ሓደሓደ ሰብ ሙያ: ናይ ሻቕሎት ጥርዓን ኬእትዉ: ብሕጊ ግቡእ ኣሎዎም። ንኣብነት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ: ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ኣብ ፖሊስ ዚሰርሑ እዚ ሕጊ ይምልከቶም።

ዓመጽ ንዝተመከሩ ቈልዑ ዚወሃብ ደገፍን ሓገዝን

ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ቈልዓን መቕርቡን ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ:-

  • ዝርርባዊ ደገፍ
  • ንጥፈታት ጕጅለ ንቘልዑ
  • ጥቕሚ ቈልዑ ንምሕላው: ንግደ ወላዲ ምድጋፍ
  • መራኸቢ ሰብ ወይ መራኸቢ ስድራ
  • ኵነታት ጽንክር እንተ ኢሉ: ካልኦት ስጕምትታት ምውሳድ፤ ንኣብነት መዕቈቢ ገዛ

ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።

ዚርከብ ሰብ:

  • ንጥፈት: Socialkontoret
  • ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165