ዓመጽ መቕርባት ኣብ ምርኣይ ተመኵሮ ዘሎዎም ቈልዑ
- ንዓመጽ ምቅላዕ (መውቃዕቲ: ምድፋእ: ወሲባዊ ዓመጽ: ምሽጋር ከምኡ’ውን ብስምዒታዊ ንጽገት ምፍርራህ)
- ዓመጽ ምስማዕ ወይ ምርኣይ
- ምልክታት ዓመጽ ምርኣይ (ንኣብነት ስምብራት: ዝተቐደደ ክዳን: ዝተሰብረ ነገር: ፍርሃት)
- ሃዋህው ስድራ ምርዳእ
ዚበዝሑ ቈልዑ: ኣብ ስድራኦም እንታይ ከም ዘጋጥም ይፈልጡ’ዮም፤ ዋላ’ኳ ኣዝማድ እንተ ዘይመሰሎም። ሓደ መቕርቦም ጽቡቕ እንተ ዘየሎ: ቈልዑ ቀልጢፎም ቆብ የብልዎ፤ ኵሉሳዕ ግን ብዛዕባ ስምዒታቶም ኣይዛረቡን’ዮም። ሓደ ቈልዓ ጽቡቕ እንተ ዘየሎ ወይ ሻቕሎት እንተሎዎ: ኪጻወት ከሎ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ኣብ ጠባዩ ይፍለጥ።
ጥርዓን ሻቕሎት ምእታው
ሓደ ቈልዓ ይጕዳእ ኣሎ ኢልካ ትጥርጥር/ሪ’ዶ? ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ሻቕሎት ጥርዓን ኣእትው/ዊ። ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ነቲ ኵነታት የጽንዖ፤ ዝርርባዊ ደገፍ ይህብ፤ ዘድልዩ ስጕምትታት ከኣ ይወስድ።
ሓደሓደ ሰብ ሙያ: ናይ ሻቕሎት ጥርዓን ኬእትዉ: ብሕጊ ግቡእ ኣሎዎም። ንኣብነት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ: ኣብ ኣገልግሎት ሕክምና ወይ ኣብ ፖሊስ ዚሰርሑ እዚ ሕጊ ይምልከቶም።
ዓመጽ ንዝተመከሩ ቈልዑ ዚወሃብ ደገፍን ሓገዝን
ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ቈልዓን መቕርቡን ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ:-
- ዝርርባዊ ደገፍ
- ንጥፈታት ጕጅለ ንቘልዑ
- ጥቕሚ ቈልዑ ንምሕላው: ንግደ ወላዲ ምድጋፍ
- መራኸቢ ሰብ ወይ መራኸቢ ስድራ
- ኵነታት ጽንክር እንተ ኢሉ: ካልኦት ስጕምትታት ምውሳድ፤ ንኣብነት መዕቈቢ ገዛ
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165