Förskola

ካብታ ደቅኻ ሓደ ዓመት ዚመልኡላ ክሳዕ ትምህርቲ ዚጅመር ቦታ መዋእለ-ህጻናት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መዋእለ-ህጻናት ዘዛኒ፡ ዘተኣማምንን መሃርን ቦታ’ዩ። ኣብ መዋእለ-ህጻናት፡ ደቅኻ ከከም ስጕምቶምን ከከም ጠለባቶምን ይምዕብሉ። ኣብ መዋእለ-ህጻናት፡ ቋንቋ፡ ክእለት ሕሳብ፡ ክእለት ምንቅስቓስን ማሕበራዊ ብቕዓትን ንዕለም። ጸወታ፡ ሙዚቃን መሃዝነትን መሰረት ንጥፈትና’ዩ።

ኣብ ሰተር ኮሙን፡ ኣብ ማእከል ሰተር፡ ኣብ ’ጉስታፍስን’ ኣብ ‘ስቱራ ሸድቪን’ ብጠቕላላ ዓሰርተ መዋእለ-ህጻናት ኣለዋ።

መዋእለ-ህጻናት፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ፡ ካብ ሰዓት 06:30 – 18:00 ክፉት’ዩ።

ኣብ ሰተር ኮሙን፡ ብሕታዊ መዋእለ-ህጻናት የለን።

ቦታ መዋእለ-ህጻናት ንምርካብ፡ ክትመሃር ወይ ክትሰርሕ ኣለካ። ደላይ ስራሕ ወይ ብስም ካልእ ውላድካ ዕረፍቲ ወላዲ ዝወሰድካ እንተ ኾይንካ፡ እቲ ቈልዓ ኣብ ሰሙን ን15 ሰዓታት መሰል ቦታ መዋእለ-ህጻናት ኣሎዎ።

ኣብ መዋእለ-ህጻናት ቦታ ንምርካብ፡ ወይ ብኣገልግሎት ኤለክትሮኒክና (e-tjänst)ወይ ቅጥዒ ብምምላእ ጠለብ ከተእቱ ኣለካ። ጠለብ፡ እንተ ተኻእለ፡ ብኣገልግሎት ኤለክትሮኒክና (e-tjänst)ከተእቱ ንመርጽ።

መዋእለ-ህጻናት ሰተር ኮሙን

ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት

ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት፡ ፍሉይ ዝዓይነቱ መዋእለ-ህጻናት ኣይኮነን። ”ህዝባዊ” ኪበሃል ከሎ፡ ክፉት ዕድል ምዃኑ የመልክት  – ኵላቶም ቈልዑ ካብታ ሰለስተ ዓመት ዚመልኡላ ዓመት ዘላ መንፈቅ ቀውዒ ኣትሒዞም  ቦታ መዋእለ-ህጻናት ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።

ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት ካብ ክፍሊት ናጻ’ዩ። ኣብ ዓመት ከኣ 525 ሰዓታት ይጥርንፍ። ምደባ ግዜ ሓድሽ ዓመት ንጥፈት ኪቐርብ ከሎ ይውሰን። ሓደ ቈልዓ፡ 5 ሰዓታት ንመዓልቲ ማለት፡ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሓሙስ ካብ ሰዓት 09:00-14:00 ኣብ መዋእለ-ህጻናት ይውዕል።

ኣብ ስነ-ትምህርታዊ ክንክን (ፋሚልየዳግሄም)ዕድል ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት የለን።

ዓመተ-ንጥፈት ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት 2017-2018

(መንፈቕ ቀውዒ Ht 2017) 2017-09-05 – 2017-12-20
(መንፈቕ ጽድያ Vt 2017) 2018-01-09 – 2018-05-31
ዕረፍቲ/ዕረፍቲ ፋሲካ 2018-04-03 – 2017-04-05

እተእትዎ ጠለብ ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት፡ ብቐጥታ ኣብ ኣገልግሎት ኤለክትሮኒክና (e-tjänst) ግበሮ (እቲ ጠለብ ንህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት ዚምልከት ከም ዝኾነ፡ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ናይ ጽሑፍ ሳጹን ሓብር።)

ጠለብ ህዝባዊ መዋእለ-ህጻናት – ቅጥዒ

ካልእ ስነ ትምህርታዊ ንጥፈት፡ ስነ ትምህርታዊ ክንክን

ኣብ ጉስታቭስን ኣብ ማእከል ሰተርን ዕድል ስነ-ትምህታዊ ክንክን ኣሎ፤ ብኮሙን ብዝተቘጽሩ ኣለይቲ ቈልዑ ቀትሪ ከኣ ይካየድ።

ኣብ ማእከል ሰተር ክልተ ኣለይቲ ቈልዑ ቀትሪ፡ ኣብ ገዛ ናይ ሓዲኦም ኮይኖም ብሓባር ይሰርሑ። ኣብ ጉስታቭስ፡ ሰለስተ ኣለይቲ ቈልዑ ቀትሪ ይተሓባበሩ፤ እቲ ንጥፈት ከኣ ንገለ መዓልታት ኣብ ሰሙን ኣብ መዋእለ-ህጻናት ኮቫልየንስ (Konvaljens förskola)ይካየድ።

ስነ-ትምህታዊ ክንክንን ካብ መዋእለ-ህጻናት ብምንታይ ይፍለ፧

ኣብ ስነ-ትምህታዊ ክንክንን ኣብ መዋእለ-ህጻናትን ዘሎ ፍልልይ፡ መዋእለ-ህጻናት ሓደ ኣገባብ ትምህርቲ ኮይኑ፡ ብናቱ መርሃ-ትምህርቲ ዚምራሕ ስለ ዝኾነ’ዩ። ወኪል ትምህርቲ ሽወደን (ስኩልቨርከት)፡ ንጥፈት ብኸመይ ኪካየድ ከም ዘለዎ ንስነ-ትምህታዊ ክንክን ሓፈሻዊ መምርሒኡ ሂቡዎ’ዩ።

ሓደ ካልእ ፍልልይ እንተሎ፡ እቶም ኣብ መዋእለ-ህጻናት ዚምህሩ ፡ ምስክር ወረቐት ምምህርና ቅድመ-ትምህርቲ ዘሎዎም ኪኾኑ ጠለብ ኣሎ።