ንመቕርብካ/ኪ ንዓመጽ ኣቃሊዕካዮም/ክዮም’ዶ ትፈልጥ/ጢ?

  • ሕርቃንካ/ኪ ክትቈጻጸር/ሪ ይብርትዓካ/ኪ’ዶ?
  • ብቐሊሉ’ዶ ትቐንእ/ኢ ወይ ተቘጻጻሪ ትኸውን?
  • ኣብ መቕርብካ/ኪ ዓመጽ ክትጥቀም/ሚ ድንዕ ኢልካ’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
  • ንዝቐርቡኻ/ኺ ሰባት ደፊእካ/ኪ: ሃሪምካ/ኪ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ጐዲእካ/ኪ’ዶ ትፈልጥ?
  • ደረት ከይትሓልፍ/ፊ ትፈርህ/ሂ’ዶ?

ክትረኽቦ/ብዮ ትኽእል/ሊ ሓገዝ ኣሎ። ደቂ እንተሎዉኻ/ውኺ: ከም መጠን ወላዲ/ት ደገፍ ክትረክብ/ኽቢ’ውን ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።

ሓገዝ ዚርከበሎም መዳያት:-

  • ዝርርባዊ ደገፍ ምርካብ
  • ጠንቅታትን ዓመጽን ኣብ ከባቢኻ ዘሎዎም ሳዕቤናትን ክትርዳእ ሓገዝ ምርካብ
  • ንዓመጽ ካልእ ኣማራጺ ብምንዳይ: ሕርቃንካ ብኸመይ ከም ትኣሊ ፍልጠት ምርካብ

ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕገዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ምሕባእ ይከኣል’ዩ።

ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።

ዚርከብ ሰብ:

  • ንጥፈት: Socialkontoret
  • ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165