ንመቕርብካ/ኪ ንዓመጽ ኣቃሊዕካዮም/ክዮም’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
- ሕርቃንካ/ኪ ክትቈጻጸር/ሪ ይብርትዓካ/ኪ’ዶ?
- ብቐሊሉ’ዶ ትቐንእ/ኢ ወይ ተቘጻጻሪ ትኸውን?
- ኣብ መቕርብካ/ኪ ዓመጽ ክትጥቀም/ሚ ድንዕ ኢልካ’ዶ ትፈልጥ/ጢ?
- ንዝቐርቡኻ/ኺ ሰባት ደፊእካ/ኪ: ሃሪምካ/ኪ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ጐዲእካ/ኪ’ዶ ትፈልጥ?
- ደረት ከይትሓልፍ/ፊ ትፈርህ/ሂ’ዶ?
ክትረኽቦ/ብዮ ትኽእል/ሊ ሓገዝ ኣሎ። ደቂ እንተሎዉኻ/ውኺ: ከም መጠን ወላዲ/ት ደገፍ ክትረክብ/ኽቢ’ውን ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ።
ሓገዝ ዚርከበሎም መዳያት:-
- ዝርርባዊ ደገፍ ምርካብ
- ጠንቅታትን ዓመጽን ኣብ ከባቢኻ ዘሎዎም ሳዕቤናትን ክትርዳእ ሓገዝ ምርካብ
- ንዓመጽ ካልእ ኣማራጺ ብምንዳይ: ሕርቃንካ ብኸመይ ከም ትኣሊ ፍልጠት ምርካብ
ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕገዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ምሕባእ ይከኣል’ዩ።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165