ብመቕርቡ ንዓመጽ ዚቃላዕ መንእሰይ
ኣብ መቕርባት ዚኽሰት ዓመጽ: ዝተፈላለየ መልክዕ ኪሕዝ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ ወላዲ’ዩ ንደቁ ንዓመጽ ዘቃልዖም። ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ሓው ወይ ሓውቲ። ንዓመጽ ዜቃልዑ ኣዝማድ ኪኾኑ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ምናልባት ምሳኻ/ኺ ብሓባር ዚቕመጥ ሰብ ኪኸውን ይኽእል። ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ: ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል፤ እቲ ንዓመጽ ዜቃልዓካ ሰብ:-
- ሕማቕን ሕሱምን ጸርፊ ይጸርፈካ፤ ወይ ሕማቕን ኣሸጋሪ/ትን ምዃንካ/ኪ የስምዓካ/ኪ
- ይደፍኣካ/ኪ: ይወቕዓካ/ኪ: ይቐልዓካ/ኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ይጐድኣካ/ኪ
- ይቈጻጸረካ/ኪ: ይድርተካ/ኪ፤ ዘይደለኻዮ/ኽዮ ነገር ክትገብር/ሪ ይግድደካ/ኪ
- ከውጽኣካ/ኪ ወይ ካብ ገዛ ኪሰጐካ/ኪ የፈረርሓካ/ኪ ወይ ኣብ ገዛ ይዓጽወካ/ኪ
- ንሓደ ዓይነት ወሲባዊ ርክብ ይግድደካ/ኪ
- ንኽብሪ ስድራ ንምክልኻል: ሓደሓደ መምርሕታት ክትስዕብ/ቢ ይግድደካ/ኪ
- ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣባል ስድራ ዓመጽ ይጥቀም
ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣሎካ/ኪ
ንዓመጽ እንተ ተቓሊዕካ ክትሻቐልን ክትጕህን ንቡር’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ሰሚዑ: ኪሕግዘካ ምስ ዚኽእል ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ’ዩ። ትሕቲ 18 ዝዕድመኡ መንእሰይ ንዓመጽ ኪቃላዕ ከሎ ኵሉሳዕ እቲ ሓላፍነት ናይ ኣባጽሕ’ዩ። ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ሓገዝ: ደገፍ: ዕቝባን ካልእ ጠቓሚ ነገር ምርካብ ይከኣል’ዩ።
እዞም ዚስዕቡ ደገፋት ምርካብ ይከኣል:-
- ዝርርባዊ ደገፍ
- ዕቝባን ግዚያዊ ገዛን
- ግጭታት ንምእላይ ሓገዝ ንምርካብ ዝርርባዊ ደገፍ ምስ ስድራኻ/ኺ
ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕገዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ክትሓብእ/ኢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፤ መን ምዃንካ/ኪ: ኣበይ ከም ትቕመጥ/ጢ ምሕባር ኣየድልየካን’ዩ።
ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።
ዚርከብ ሰብ:
- ንጥፈት: Socialkontoret
- ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165