ብመቕርቡ ንዓመጽ ዚቃላዕ መንእሰይ

ኣብ መቕርባት ዚኽሰት ዓመጽ: ዝተፈላለየ መልክዕ ኪሕዝ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ ወላዲ’ዩ ንደቁ ንዓመጽ ዘቃልዖም። ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ሓው ወይ ሓውቲ። ንዓመጽ ዜቃልዑ ኣዝማድ ኪኾኑ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ምናልባት ምሳኻ/ኺ ብሓባር ዚቕመጥ ሰብ ኪኸውን ይኽእል። ዓመጽ ስነ-ኣእምሮኣዊ: ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት: ንገለ ካብዞም ዚስዕቡ ዚምልከት ኪኸውን ይኽእል፤ እቲ ንዓመጽ ዜቃልዓካ ሰብ:-
  • ሕማቕን ሕሱምን ጸርፊ ይጸርፈካ፤ ወይ ሕማቕን ኣሸጋሪ/ትን ምዃንካ/ኪ የስምዓካ/ኪ
  • ይደፍኣካ/ኪ: ይወቕዓካ/ኪ: ይቐልዓካ/ኪ: ወይ ብኻልእ ኣገባብ ይጐድኣካ/ኪ
  • ይቈጻጸረካ/ኪ: ይድርተካ/ኪ፤ ዘይደለኻዮ/ኽዮ ነገር ክትገብር/ሪ ይግድደካ/ኪ
  • ከውጽኣካ/ኪ ወይ ካብ ገዛ ኪሰጐካ/ኪ የፈረርሓካ/ኪ ወይ ኣብ ገዛ ይዓጽወካ/ኪ
  • ንሓደ ዓይነት ወሲባዊ ርክብ ይግድደካ/ኪ
  • ንኽብሪ ስድራ ንምክልኻል: ሓደሓደ መምርሕታት ክትስዕብ/ቢ ይግድደካ/ኪ
  • ኣብ ልዕሊ ካልእ ኣባል ስድራ ዓመጽ ይጥቀም

ንዕቝባን ደገፍን መሰል ኣሎካ/ኪ

ንዓመጽ እንተ ተቓሊዕካ ክትሻቐልን ክትጕህን ንቡር’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ሰሚዑ: ኪሕግዘካ ምስ ዚኽእል ሰብ ምዝራብ ኣገዳሲ’ዩ። ትሕቲ 18 ዝዕድመኡ መንእሰይ ንዓመጽ ኪቃላዕ ከሎ ኵሉሳዕ እቲ ሓላፍነት ናይ ኣባጽሕ’ዩ። ኣብ ቤ/ጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎት: ሓገዝ: ደገፍ: ዕቝባን ካልእ ጠቓሚ ነገር ምርካብ ይከኣል’ዩ።

እዞም ዚስዕቡ ደገፋት ምርካብ ይከኣል:-

  • ዝርርባዊ ደገፍ
  • ዕቝባን ግዚያዊ ገዛን
  • ግጭታት ንምእላይ ሓገዝ ንምርካብ ዝርርባዊ ደገፍ ምስ ስድራኻ/ኺ

ምሳና ርክብ ግበር/ሪ’ሞ ክንሕገዘካ/ኪ ኢና። ስምካ ክትሓብእ/ኢ ትኽእል/ሊ ኢኻ/ኺ፤ መን ምዃንካ/ኪ: ኣበይ ከም ትቕመጥ/ጢ ምሕባር ኣየድልየካን’ዩ።

ኣብ ህጹጽ ሓደጋ ኵሉሳዕ 112 ደውል/ሊ።

ዚርከብ ሰብ:

  • ንጥፈት: Socialkontoret
  • ቍጽሪ ስልኪ: 0225-55165