ዓመተ ትምህርቲ 21/22 ዝምልከት ሓድሽ ኣመለኻኽታ ምብጽጻሕ ናብ ቤ/ት (23/24)

Kontaktinformation

Säter kundtjänst

Telefon: 0225-550 00

Telefontider: Måndag-fredag kl. 08.00-12.00, 13.00-16.15

E-post: kundtjanst@sater.se

Besöksadress: Rådhuset, Åsgränd 2, Säter

Öppettider: Måndag–fredag klockan 08.00–12.00, 13.00-16.00. (stängt röda dagar)

 


Tack för ditt meddelande.

ቈልዓ ኣብ መሰረታዊ ቤ/ት(ካብ 1ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ) ዝኸይድ ንዘለኪ ወላዲት ምብጽጻን ናብ ቤት ትምህርቲ በቲ ሓድሽ
ኤ-ኣገልግሎት( ኢንተርነታዊ ኣገልግሎት) ተጠቂምኪ ከተመልክቲ ከነዘኻኽረኪ ንደሊ።እዚ ነቶም ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ
ዝኸዱ ቈልዑ ኣይምልከቶምን እዩ።እንተ ዘየመልኪትኪ፡ናይ ቤት ትምህርቲ ካርድ ኣይክለኣኸን እዩ ወይ ኣይክወርድን እዩ።
ውሳነ ምብጽጻሕ ናብ ቤ/ት ኣብ ሰዓቱ ኽውሰነልኪ ንምርግጋጽ፡ እዚ ንዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ 8 mars-26 mars ዝግበር
ምምልካት ኣቐዲሙ ክግበር ኣለዎ።
እቲ ኤ-ኣገልግሎት(ኢንተርነታዊ ኣገልግሎት) ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ንኡስ-ዞባ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) ካብ 8 mars
ጀሚሩ ዝህሉ ኮይኑ ኣቲኺ ክትጥቀምሉ እንተ ኾይንኪ ኤ-መንነት(ኤ-ሌጊቲማሹን) ከድለየኪ እዩ።እንተ ዘይብልኪ ኣብ ባንክኺ
ከይድኪ ኤ-መንነት(ኤ-ሌጊቲማሹን) ኣመልክቲ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እቶም ኣብ ኣላዪት-ስድራ(ፋሚልየ ሄም) ተወዚዖም ዝነብሩ ተምሃሮን እቶም ግዝያዊ ቊጽሪ መንነት ዘለዎምን
ብቕጥዒ ወረቐት ገይሮም የመልክቱ።እቲ ቕጥዒ ወረቐት ኣብ’ዚ ኣሎ፦

ክፍሊ ኣገልግሎት ዓማዊል ንኡስ-ዞባ: 0225-55000
መካነ-መርበ ንኡስ-ዞባ 

ገለ ካብ’ቶም ዕላማታት ናይ’ዞም ሓደስቲ ለውጥታት፡ ዝሓሸ መደባት ኣውቶቡስ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ዝህሉ ሃሳዪ ጽልዋ
ንምቕናስን ወጻኢታት ገንዘብ ንምቚጣብን’ዩ።
ሕቶታት ምስ ዝህልወኪ ነታ ኣካያዲት ጒዳያት ምብጽጻሕ ቤ/ት ብኢሜል ገይርኪ ተወከስያ።
skolskjuts@sater.se