ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ

ኣብ ሴተር ኮሙን፡ ሃገርለኻውያን ፕሮግራማት የለዋን፤ ተመሃሮ ሃገራዊ ፕሮግራም ትምህርቲ ኪመሃሩ ዕድል ንምሃብ ግን፡ እዚ ኮሙን  ምስ ጐረባብቲ ኮሙናት ይተሓባበር’ዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ንምእታው ኣብዚ ዚስዕብ ኣድራሻዚelevantagningen vid Region Dalarnaይሕተት።ሰተር ኮሙን፡ ካብተን ሓሙሽተ መተኣታተዊ ፕሮግራማት (introduktionsprogrammen) ነርባዕተ ዕድል ይህብ፤ እዚኣተን ከኣ፡ ኣብ ዩስተርንስ ስትራንድ ዚርከብ ዳላንደር ኩንስካፕስሴንትሩም (Dahlander kunskapscentrum) ይወሃባ። ንሳተን ከኣ፡-
  • ውልቃዊ ኣማራጺ (Individuellt alternativ (IMIND))
  • መተኣታተዊ ትምህርቲ ቋንቋ (Språkintroduktion (IMSPR))
  • መቀራረቢ ትምህርቲ (Preparandutbildning (IMPRE))
  • መተኣታተዊ ትምህርቲ ሙያ (Yrkesintroduktion (IMYRK))

ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልእ ኮሙን

እትቕመጠሉ ናይ ምትሕብባር ከባቢ ብዘየገድስ – እቲ ክትመሃሮ እትደሊ ፕሮግራም ክትመሃር ዕድል ክትረክብ ምእንቲ፡ ዓሰርተ ኮሙናት ዳላ ይተሓባበራ። ብሓገዝ ’ዪሳም’ Gysam ኣብቲ ናይ ምትሕብባር ከባቢ ዚርከብ እኩብ ዕድል ሃገራውያን ፕሮግራማት ንዓኻ ክፉት ይኸውን።

ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ካልእ ኮሙን ወይ ኣብ ብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ክትሓትት ትኽእል። እቲ እትጠልቦ ትምህርቲ ኣብ ከባቢ ዪሳም (Gysamområdet) ዚርከብ እንተኾይኑ ግን፡ እቲ መወሰኽታ መናበሪ (inackorderingstillägg) ናይ ምርካብ መሰልካ ኪጽሎ ይትኽእል’ዩ።